Kiros Asfaha - Abey Nerki (OFFICIAL AUDIO) Eritrean music 2020

preview_player
Показать описание

OFFICIAL Albums :

An unauthorised use, distribution, re-upload or transmitted in any form or use without the prior written permission of the publisher is strictly prohibited.

All rights reserved ® HABESHA PLUS

#kirosasfaha #kirosasfahameatwere #eritreanmusic #neweritreanmusic

Lyrics

ሓሲበ መርሚረ ኣውሪደ ኣደይበ
ተመሊሰ’ለኹ ንዓኻ ኢደይ ሂበ

ኣመና’የ ተታላሊት ድኽምቲ ኮይነ’ምበር
ንስኻ ትመስል ፍቕርኻ’ዶ ስገር

ኣጣዒስኒ’ዩ ሕሉፈይ ደምስሶ
ሕማቕ’ሎ ልበይ ፍቕርኻ ደብሶ

ይጽውዕ ኣለኹ ልመናይ ተቐበል
ገጽካ ምለሰለይ ከይሓምም ከይጽለል

በጃኻ በጃኻ በጃኻ በጃኻ...

ብሚሕር ፍቕሪ ናትኪ ንብዓተይ እናረገፈ
ብሓለንጊ ፍቕርኺ ዝባነይ እናተገርፈ

ኣብ እግርኺ ክወድቕ ሽሞል ብርከይ ዓጺፈ
ኣበይ ኔርኪ ኣበይ

ምስ ዝኾነ ከንጸርጽር ፍቕርኺ ከቢዱኒ
ንበይነይ እንክዛረብ ዘለኺ መሲሉኒ

ራኣይዎ እናበሉ ሸራፋት ክስሕቑኒ
ኣበይ ኔርኪ ኣበይ

ኣቲ ናይ ትማሊ ተመን ናይ ሎሚ ግን ርግቢት
ኣቤሎ’ቲ ጸዋግ ገጽ ኣበይ ከይዱ’ቲ ትዕቢት

ትማሊ ጸዊዐኪ የእዳውኪ ነጺግክለይ
ሕጂ ክምስ ትብልኒ ናበይ ደሊኺ ናበይ

ኣይትንብዒ ኣይትስገዲ
ሕቖኺ ሂብክኒ ጥራይ ኪዲ

ለሚነኪ’የ ትማሊ ነቢዐን ተማህሊለን
ሎሚ ግን
ንዓኪ ዝኸውን ቦታ የለን

በጃኻ     

ብሚሒር ፍቕሪ ናትኪ ንብዓተይ እናረገፈ
ብሓለንጊ ፍቕርኺ ዝባነይ እናተገርፈ

ኣብ እግርኺ ክወድቕ ሽሞል ብርከይ ዓጺፈ

ኣበይ ኔርኪ ኣበይ ኣበይ ኣበይ

ሓሲበ መርሚረ ኣውሪደ ኣደይበ
ተመሊሰ’ለኹ ንዓኻ ኢደይ ሂበ

ኣመና’የ ተታላሊት ድኽምቲ ኮይነ’ምበር
ንስኻ ትመስል ፍቕርኻ’ዶ ስገር

ኣጣዒስኒ’ዩ ሕሉፈይ ደምስሶ
ሕማቕ’ሎ ልበይ ፍቕርኻ ደብሶ

ይጽውዕ ኣለኹ ልመናይ ተቐበል
ገጽካ ምለሰለይ ከይሓምም ከይጽለል

በጃኻ በጃኻ በጃኻ በጃኻ

ነዛ ንኽሪኤኪ ገዛኹም ክኳለሎ
ንምጽኣትኪ ከቋምት ኣብ ፈቐዶ ኣንጎሎ
ጸሓይ ጠሊማትኒ ክጽልምተኒ ከሎ

ኣበይ ኔርኪ ኣበይ

ከም ስኡን ደድሕሬኺ ክልምን ጽባሕ ጽባሕ
ከም ታቦት ኣምሊኸኪ ኣብ ቅድሜኺ ክናሳሕ
እምቢታኺ የሕሪቑኒ ምስ መስተ ክመራሳሕ

ኣበይ ኔርኪ ኣበይ

ሰሚዐኪ ይቐንየለይ ፍቕርኺ ኣክብለይ
ደጊሙ ከፍቅረኪ ኣይኮነሉን’ዩ ልበይ

ሒዘ’የ ትመስለኒ ኣመና ሽኮር ቆልዓ
ሰላም ሂባትኒ’ላ ንቦታኺ ተኪኣ

ኣይትንብዒ ኣይትስገዲ
ሕቖኺ ሂብክኒ ጥራይ ኪዲ

ለሚነኪ’የ ትማሊ ነቢዐን ተማህሊለን
ሎሚ ግን
ንዓኪ ዝኸውን ቦታ የለን

በጃኻ

ከም ስኡን ደድሕሬኺ ክልምን ጽባሕ ጽባሕ
ከም ታቦት ኣምሊኸኪ ኣብ ቅድሜኺ ክናሳሕ
እምቢታኺ የሕሪቑኒ ምስ መስተ ክማራሳሕ

ኣበይ ኔርኪ ኣበይ ኣበይ ኣበይ
Рекомендации по теме
Комментарии
Автор

ብምሒር ፍቕሪ ናትኪ ፡
ንብዓተይ'ናረገፈ !
ብሓለንጊ ፍቕርኺ ፡
ዝባነይ'ናተገርፈ !
ኣብ እግርኺ ክወድቕ ፡
ሽሞል ብርከይ ዓፂፈ !
ኣበይ ነይርኪ ፧

mussietn
Автор

ሰሜዐኪ የቀኔለይ....
ፍቕርኺ ኣክብለይ...
ደጊሙ ከፍቅረኪ
ኣይኮነሉን ዩ ልበይ...
ሒዘ ትመስለኒ..
ኣመና ሺኮር ቆልዓ....
ሰላም ሂባትኒ ላ
ንቦታኪ
speachless to describe you by a word 👏👏👏👏👏👏👏

kevengidewon
Автор

ኪሮሰይ ብጣዕሚ ኢየ ዝፈትወክ ብዙሕ ተዘክሮ ኢዩ ዘለኒ ምስ የዑሩክተይይይይ መዓት ወረ ኢልካ ክትደርፍ ከለካ 14 ዕድመ ኢየ ነይረ በቃ እናዘኮርኩካ ክነብር ኢየ ኺሮሰይ❤️😭😭👑

Kiros.meksebalem
Автор

ኪሮሰይ ኣንበሳ 👑 ሓቃና መምህር ❤️ ኣነስ ንዘልኣለም ምሳካየ 🥰❤️

yohanahagos
Автор

ግጥምን ዜማን ድምጽን ሲ ነይሩ እንታይ እሞ ይዓብስ .ብዝኾነ ኣብ 2023 ትሰምዑዋ ዘለኹም 👍 ርገጹ

ageremtizantatat
Автор

ስደት ከይ ወጻኩ ከለኩ ክሰምዓ ኢየ ዝውዕል ኔረ ዓሕ። ከምዚ ከማይ ኣለኩም ዶ ስደት ከይወጻኩም ትሰምዑዋ ዝነብርኩም? ነዛ ደርፊ ክሰምዕ ኮሎኩ ንብዓት ኢዩ ዝስዕረኒ ዓሕ ዓሕ ስደት ስዲ።

tekie
Автор

ከም ሱኡን ደዲሕረኺ ክልምን ጽባሕ-ጽባሕ ከም ታቦተ ኣምሊኸኪ ኣብ ቅድመኺ ክናሳሕ እምቢታኺ የሕሪቕኒ ምስ መስተ ክማራሳሕ ኣበይ ኔርኪ ኣበይ king kiros

weditesfu
Автор

ኬሮሰይ ደርፍካ ዩ መግበይ ናይብሓቂ ጎብለል ጥበብ ኢካ ❤❤❤🎉🎉🎉

dungadunga-jo
Автор

Kiros jegen nay baheqi ena abeda nezi derfeka kesami tirayi hanti malti tehelu do bi akali tderfaleyi 🇸🇩

merhabatinsaew
Автор

እዋይ ስደት ሕሱም በዛ ደርፊ ጽሉል እየ ነይረ ኪሮሰይ ኪንግ

ቀንዴልሓርነት-ሸሰ
Автор

ሰሚዒካ ዘይምኖ ደርፊ ወዲ ኣስፋሃ ብዓል ጽኑዕ መተከል ዕድመን ጥዕናን

mussiehadgu
Автор

ኪሮስ ግን መዓስ ኢኻ ናብ ስነ ጥበብ ክትምለስ፧ እዚ ናይ ሕጂ ትሰርሖ ዘለኻ ደኾን ምስ ደርፊ ትሓስቦ ትኸውን፧ ናይ ብሓቂ የለኻን እኮ!።

mekonenkesete
Автор

Great talented artist I had a lot of memories on your first album Kiros hawey I hope one day we will go back to our beautiful country rid of all the trash

AdonayTV
Автор

ቀይሕ መይሕ ባንዴራ ኤርትራ ሒዞም ኤርትራውነት ዝብሉ ስነ ጥበብ በዚሖም ኪሮስ ኣቦ ጥበብብ

ደቀባትትግርኛ
Автор

ኡይይይይይ ኪሮስሰይይይይይይ ኣነስ ካብዛ ዓለም ከይተፈለኩ ከለኩስ ምዚ መንኣሰይ ኣብታ ንፈትዎ ሃገረይ ኤርትራ ተመሊስካ ይርእየካ ይከዊን

eritreawalta
Автор

Kirosey wela politicawi metkelna hade aykun nay Bhaki abo meniseyat king of music eka ❤️❤️❤️

HelyBel
Автор

Memorable song of all the time in my life and best Artist I have ever seen. Kiros my 👑

teweldehaile
Автор

Kirosey zeydgem futur bmhir fqrie natka kxerfuka kelewu lbey ygudae ❤

kibromberahi
Автор

I hade a great memories when u published your first album meat were live longer kiros

huruyyosief
Автор

Waww kiros wedi halel hezbeb king music really so gaden like eske daki erey Tsibikti

kamsebeyazalku