filmov
tv
Mama - Kiros Asfaha (OFFICIAL AUDIO) Eritrean music 2020
Показать описание
OFFICIAL Albums :
An unauthorised use, distribution, re-upload or transmitted in any form or use without the prior written permission of the publisher is strictly prohibited.
All rights reserved ® HABESHA PLUS
#kirosasfaha #kirosasfahameatwere #eritreanmusic #neweritreanmusic
Lyrics
ማማ
ጸምዩኪ ዶ ማማ ጸዋሪት ኩሉ
ጸሊእክዮ ገዛና ጸረውረው ኢሉ
ከመይ ክጥዕመኪ ቶኽላ እንድዩ ነጊሱ
ቆርበት በጊዕ ለቢሱ
ኣጸምዩኪ ዶ ደቅኺ መንጢሉ
ኣሲሩ ቐቲሉ
ማማ
ትምኒታ ዝነበረ የዕብያ ኽተብጽሕ
እንዳ ወደይ እንዳ ጓለይ እናበለት ክትበጽሕ
ማማየ ከምትምኒታ ኣይኮነትን ኤርትራ
ኣደየ ፋሕ ኢልናያ ከምዛ ደቂ ዛግራ
ማማየ እዉይ እዉይ እዉይ እዉይ
ኣደየ
ማማ
ወላ እንተ ጸወዐት ቆልዓ ናይ ጎሮቤት
ንድምጻ ሰሚዑ የለን ዝብል ኣቤት
ማማየ እንዳ ዱኳን ክትገብር ኣስቤዛ
ኣደየ ሰለይ ትብል ኣላ ምርኩስ ሒዛ
ማማየ እዉይ እዉይ እዉይ እዉይ
ኣደየ
ኣታ ትናፍቕ ከማይ ኣዴኻ
መፍትሒ እባ ነናዲ በጃኻ
ክሳብ ምዓስ’ዩ ስደት ዓዲ ጓና
ናይ ኣቦታትና ርስቲ ከላትና
ኣቲ ትናፍቒ ውን ኣዴኺ
መፍትሒ እባ ነናዲ በጃኺ
ክሳብ ምዓስ’ዩ ስደት ዓዲ ጓና
ናትና እንብላ ሃገር ከላትና
ጸምዩኪ ዶ ማማ ጸዋሪት ኩሉ
ጸሊእክዮ ገዛና ጸረውረው ኢሉ
ከመይ ክጥዕመኪ ቶኽላ እንድዩ ነጊሱ
ቆርበት በጊዕ ለቢሱ
ኣጸምዩኪ ዶ ደቅኺ መንጢሉ
ኣሲሩ ቐቲሉ
ማማ.. ዘዕበየና ገዛ ኩላትና ሓቒፉ
ስእልና ኣብቲ መንደቕ ጥራይ ሒዙ የሪፉ
ማማየ ርእይ ተብሎሞ ቲ ሳልታት
ኣደየ ወረር ተብል ናይ ናፍቖት ንብዓት
ማማየ እዉይ እዉይ እዉይ እዉይ
ኣደየ
ማማ...
ሓደካ ዘዕልል ዘዛርብ ዘይብላ
ምስታ ተለብጅን ይውዕል ኮፍ ኢላ
ማማየ ነቲ ዘይካኣል ናብታ ሸላ
ኣደየ እንታይ ይባሃል ግን ኪኢላቶላ
ማማየ እዉይ እዉይ እዉይ እዉይ
ኣደየ
ኣታ ትናፍቕ ከማይ ኣዴኻ
መፍትሒ እባ ነናዲ በጃኻ
ክሳብ ምዓስ’ዩ ስደት ዓዲ ጓና
ናይ ኣቦታትና ርስቲ ከላትና
ኣቲ ትናፍቒ ውን ኣዴኺ
መፍትሒ እባ ነናዲ በጃኺ
ክሳብ ምዓስ’ዩ ስደት ዓዲ ጓና
ናትና እንብላ ሃገር ከላትና
ማማ...
መታን ክሪኦ ደጊመ ዓይንኺ
መታን ክሰምዖ ደጊመ ድምጽኺ
መታን ክጥዕሞ ደጊመ እንጀራኺ
ማማ ጽንሕ በሊ ኢኺ
ኣደይ ጽንሕ በሊ ኢኺ
ማማ ጽንሕ በሊ ኢኺ
ኣደይ ጽንሕ በሊ ኢኺ
ኣደይ...
መታን ክሪኦ ደጊመ ዓይንኺ
መታን ክሰምዖ ደጊመ ድምጽኺ
መታን ክጥዕሞ ደጊመ እንጀራኺ
ማማ ጽንሕ በሊ ኢኺ
ኣደይ ጽንሕ በሊ ኢኺ
ማማ ጽንሕ በሊ ኢኺ
ኣደይ ጽንሕ በሊ ኢኺ
Комментарии