filmov
tv
Kiros Asfaha - Kefqraye Gena (OFFICIAL AUDIO) Eritrean music 2020
Показать описание
OFFICIAL Albums :
An unauthorised use, distribution, re-upload or transmitted in any form or use without the prior written permission of the publisher is strictly prohibited.
All rights reserved ® HABESHA PLUS
#kirosasfaha #kirosasfahameatwere #eritreanmusic #neweritreanmusic
Lyrics
ይፈትዋ እምበር የፍቅራ እምበር
ይኾነላ ኩሉ ነገር
ንኽትፍተዉ ኢሉ ንኽትፍቀር
ሰሪሕዋ’ንድዩ እዝጊ ብዘይ ኣበር
ትሕትነኣ ልበይ ምስ ቀብአ
ቁመናኣ ዓይነይ ምስ መለአ
መዓስ ደንጔ መዓስ’ከ ሰጊአ
ሸበድበድ ኢለ’ዴ ኢድ ነሲአ
ዛ’ኸም ልበይ ወርቃዊት ጽሩራ
የፍቅራ’ምበር ከመይ ዘየፍቅራ
ሰምሃር’ያ እምበር ሙኡዝ’ዩ ሽታኣ
ትዕግስቲ’ያ ዓቦ ልቦናኣ
ልዋም እምበር ለይቲ ዝድረራ
ዋሓዚት’ያ ጃሕጃሕ ዝብል ፍቕራ
ራሄል’ያ እምበር ዘይብላ ኣበሳ
ኤልሳቤት’ያ ጸጋ ዝፈሰሳ
ኣስቴር እምበር ንጉስ ዝሞገሳ
ሳምራዊት’ያ እምነት ዝፈወሳ
ሜሪ’ያ እምበር ሜሪ ጽዕዳ ልባ
መርሃዊት’ያ መላኺት ጸበባ
ሰገን እምበር ሰለል ኣሳጉማ
ሚካል’ያ እኮ ዳዊት ተሰለማ
ከኽብራ’የ ፈጺመ ከኽብራ
ወወፊረ ልዕሊ ሰብ ክገብራ
ሓባቢለ ከረስርሶ ልባ
ከይሰልከኹ ፍቕሪ ክምግባ
ኣደልዲለ ኣብ ልበይ ክነድቃ
ኣደ ደቀይ ክገብራ’የ በቃ
በቃ በቃ በቃ
ኦ...ሆ...ኣሃ...
የፍቅራ ጥራይ ዘይኮነስ
ከፍቅራ’የ ጌና ክነብር’የ ምስኣ
የፍቅራ ጥራይ ዘይኮነስ
ከፍቅራ’የ ጌና ክነብር’የ ምስኣ
ይፈትዋ’ምበር የፍቅራ’ምበር
ይኾነላ ኩሉ ነገር
ንኽትፍተዉ ኢሉ ንኽትፍቀር
ሰሪሕዋ እንድዩ እዝጊ ብዘይ ኣበር
ትሕትነኣ ልበይ ምስ ቀብአ
ቁመናኣ ዓይነይ ምስ መለአ
መዓስ ደንጔ መዓስ’ከ ሰጊአ
ሸበድበድ ኢለ’ዴ ኢድ ነሲአ
ዛ’ኸም ልበይ ወርቃዊት ጽሩራ
የፍቅራ’ምበር ከመይ ዘየፍቅራ
ኤደን’ያ እምበር መሳጢ ትርኢታ
ንግስቲ’ያ ኣኽሊል ሕላገታ
ትምኒት’ምበር ወትሩ ዝምነያ
ዮርዳኖስ’ያ ተቐደሰ ማያ
ሰላም’ያ እምበር ዋሃቢት ሰላመይ
ሰናይት’ያ መሰነይታ ዕድመይ
ሄለን’ምበር ዝመላኣ ግርማ
ዮርሳሌም’ያ እናሻዕ ዝስዕማ
ሂወት’ያ እምበር ንስጋ ዘቖመት
ፍዮሪ’ያ መሬት ዝሰለመት
እልልታ’ምበር እልልል ትብለለይ
ትርሓስ’ያ እሞ ኣሜን ትርሓሰለይ
ከኽብራ’የ ፈጺመ ከኽብራ
ወወፊረ ልዕሊ ሰብ ክገብራ
ሓባቢለ ከረስርሶ ልባ
ከይሰልከኹ ፍቕሪ ክምግባ
ኣደልዲለ ኣብ ልበይ ክነድቃ
ኣደ ደቀይ ክገብራየ በቃ
በቃ በቃ በቃ
ኦ...ሆ...ኣሃ...
የፍቅራ ጥራይ ዘይኮነስ
ከፍቅራ’የ ገና ክነብር’የ ምስኣ
የፍቅራ ጥራይ ዘይኮነስ
ከፍቅራ’የ ገና ክነብር’የ ምስኣ
Комментарии